Tigrinja
ጓልን ሰበይትን
እዚ ሕጂ ዝነግረኪ ንኣኺ ጠቓሚ ኢዩ።
ብኣኽብሮት ክትሰተናገዲ መሰልኪ ኢዩ።
– ማንም ሰብ ኪጸርፈኪ፡ ከላግጸልኪ ኪሃርመኪ ኣይክእልን።
ናይ ገዛእ ርእስኺ ርእይቶ ኪህልወክን ክትገልጽዮን መሰል ኣሎኪ።
– ማንም ሰብ እንታይ ከም እትሓስቢ፡ እንታይ ከም ዚስምዓኪ ወይ ምስ መን ከም እትዘናግዒ ኪነግረኪ ኣይግባኦን።
ናይ ገዛእ ርእስኺ ፋይናንስ ንኽትረኽቢ መሰል ኣሎኪ
– ንኽትመሃሪ፡ ንኽትሰርሒ ከምኡውን ንኣታዊታትኪ ዚምልከት ንምውሳን መሰል ኣሎኪ።
ኣብ ኣካላትኪ ክትውስኒ መሰል ኣሎኪ
– ኣካላትኪ ናትኪ ኢዩ። መን ክትንክፈኪ ከም ዘለዎ፡ ኣበይን መኣስን ዚውስን ባዕልኺ ኢኺ።
ኣብ ኩሉ ቦታ ብሰላም ንምንባር መሰል ኣሎኪ
– ኣብ ገዛኺ ኣብ ቤትትምህርትኺ ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ኣብ ቤትምግቢ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ወይ ኣብ ጫካ ብነብስኺ ዘይምትእምማንን ፍርሃትን ኪስምዓኪ ኣይግባእን።
በዓልቤትኪ፡ ኣቦኺ፡ ዓርክኺ፡ ሓውኺ ወይ ኣኮኺ/ሓወቦኺ ወይ ኣቦሓጎኺ፡ ነዚ መሰልዚ ኪትንክፉዎ ኣይክእሉን።
ካብ መጥቃዕቲ ናጻ ዝኾነ ህይወት ንምንባር መሰል ኣሎኪ።
መሰላትኪ ዘይክበሩ ምስ ዚኾኑ፡ ደገፍ ንምርካብ መሰል ኣሎኪ።
ቴራፌም ኣብ ጎድንኺ ኢዩ።
ተራፌም ይድግፈኪ ከምኡውን ንኣኽን ንናይ ካልኦት ደቀንስትዮን መሰል ይቃለስ።